ፋሚልየ-ሉትሰን
ደገፍ ንዘድልየኩም ወለዲ ወይ ኣገደስቲ በጽሕን ከምኡ ድማ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ጎንኹም ኣለና።
ብደሓን ምጹ!

ካብ ስድራቤት ወጻኢ ምስ ዘሎ ሰብ ምዝራብ ሓድሽ ኣረኣእያ ተጥሪ፡ ጭንቀት ትቕንስን እለታዊ ህይወትካ ንምእላይ ድማ የቃልለልካ።
ምስ ፋሚልየ-ሉትሰን ኮይንካ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ምስ ትካፈል፡ ባዕላዊ ፍታሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ። ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ምስ ዝርከቡ ካልኦት ሰባት ብምርኻብ ድማ ብጻይነት ንኽስመዓካ ዕድል ትረክብ።
ደገፍ ንወለድን ካልኦት ደገፍ ንቈልዑን መንእሰያትን ኣገደስቲ ዓበይትን
ጒጅለታት ወለዲ
ምስ ካልኦት ብምርኻብ ተመክሮታትን ብምቅይያርን ሓዽሽ ኣረኣእያ ምቕሳም
ብዝርርብ ዝወሃብ ውልቃዊ ደገፍ
እለታዊ ህይወት፡ ርክብ ኣብ ውሽጢ ስድራቤትን ወላድነትን ብዝምልከት ደገፍ ምርካብ
ኣንፈታትን ሓበሬታን
ብመንገዲ ናይ ሞባይል ኣፕን ማሕበራዊ ሜድያታትን ገይርና ምኽርን ድርኺትን ንህብ።
ደገፍ ንቈልዑን መንእሰያትን
ቈልዑ ምስ ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ኲነት ዝርከቡ ኮይኖም ተመክሮታቶም ዝቀያይርሉ ናይ ደገፍ ጒጅለ ኣለና።
እዞም ጒጅለታት ኣብ ብጻይነት፡ ምርድዳእን ተሳታፍነት ቈልዑን ዝተመርኮሱ እዮም።
%20Fj%C3%A4rilen%20%202025_utan%20text.webp)
ፈሪለን
ቈልዑ ዕድሜኦም 7–17 ዓመት ዘለዋ ስድራቤትን ኣብኣ ብስነ-ኣእምሮ ሕማቕ ዝስመዖ ወይ ወልፊ ዘለዎ ኣባል ዘለዋ ስድራቤት.
%20Bubblan%202025_utan%20text.webp)
ቡብላ
ወለዶም ዝተፋትሑን ዕድሜኦም ድማ 7–12 ዓመት ንዝኾኑ ቈልዑ
%20Tr%C3%A4det%202025_utan%20text.webp)
ትሬደት
ኣብ ፋሚልየ-ሄም ንዝነብሩ ዕድሜኦም 7-17 ዓመት ንዝኾኑ ቈልዑ
ኣብ’ዘን ጉጅለታት ብዛዕባ ስምዒታት፡ ዝምድናታት ኣባላት ስድራቤትን ኣብ እለታዊ ህይወት ንዘጋጥሙ ከበድቲ ኩነታት ብኸመይ ገይርካ ከም ትኣልዮምን ክንዛረብ ኢና። ነዚ ብዝርርብ፡ ብጸወታን ብዝተማህዙ ልምምዳትን ገይርና ነካይዶ - ኩሉ’ዚ ምስ ዕድመን ድሌታትን ቈልዓ ዝተመጣጠነ እዩ።
ብኸምዚ ይሰርሕ
- ካብ ካልኦት ውከሳ ወይ ውሳነ ኣየድልየካን እዩ -ብቐጥታ ክትውከሰና ትኽእል ኢኻ
- እዚ ደገፍ እዚ ወለንታውን ካብ ክፍሊት ነጻን እዩ።
- መበገሲና ንዓኻ እንታይ የድልየካ ካብ ዝብል እዩ
ተወከሱና!
ተሌፎን: 063 – 14 40 57
መካነ-መርበብ: ostersund.se/familjelotsen
ፌስቡክ: Familjelotsen Östersund
ኢንስታግራም: familjelotsen ostersund
ነዛ Mitt val - mitt stöd ትብል ኣፕ ኣውርድዋ



